المدة الزمنية 5:00

Eri gezana - ኣብ ህይወትና ካብ ንስሪ ክንመሃሮም ዘለና 7 ባህርያት

بواسطة Ti gezana
843 مشاهدة
0
55
تم نشره في 2020/10/01

ኣብ ህይወትና ካብ ንስሪ ክንመሃሮም ዘለና 7 ባህርያት !!! =========================== 1. ንስሪ ኣብ ልዑል ብራኸ ንበይኑ እዩ ዝበርር። ምስ ጨራሩ፡ ኳኽ ኮነ ንኣሽቱ ኣዕዋፍ ኣይበርርን እዩ፡፡ እዚ ማለት፡- ካብ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ርሓቕ፡ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ንታሕቲ ከውድቁካ እዮም። ንስሪ ምስ ንስሪ እዩ ዝበርር። ንስኻ/ንስኺ ውን መጓዕዝትኻ/ኺ ምረጽ/ጺ! 2. ንስሪ ብንጹር እዩ ዝርኢ፡፡ ክሳብ 5 km ንዘሎ ርሕቀት ከለልዩ ብቕዓት ኣለዎም፡፡ ዕንቅፋት ብዘየገድስ ነቲ ክሃድኖ ዝወሰኖ ክሳብ ዝሕዝ፡ ንስሪ ካብ ዕላምኡ ኣይዘብልን እዩ፡ እዚ ማለት፡- ራኢ ይሃልኻ/ኺ! ዕንቅፋት ብዘየገድስ ኣብ ራኢኻ/ኺ ኣተኩር/ሪ፡ ክትዕወት ከኣ ኢኻ/ኺ! 3. መብዛሕትኡ ግዜ ንስሪ ንዝሞተ ነገር ኣይበልዕን እዩ። ሓድሽ ዝሃደንዎ ነገር እዮም ዝምገቡ። እዚ ማለት፡- ኣብ ሕሉፍ ዓወትካ/ኪ ደው ኣይትበል/ሊ! ሓድሽ ነገር ንምርካብ ንቓሕ/ንቅሒ! ሕሉፍካ/ኪ ንዝምልከቶ ግደፈሉ/ግደፍሉ። 4. ንስሪ ንደበናታት ይፈቱ እዩ። ደበናታት እንተተኣኪቦም ንስሪ ይሕጎስ፡፡ ንስሪ ናይ ደበናታት ንፋስ እንተረኺቡ፡ ብክንፉ ንነብሱ ልዕሊ ደበናታት ከም እትወጽእ ይገብር። እዚ ነገር እዚ ንንስሪ ኣብ ኣየር ንከንሳፍፍን ተጻዋርነት ከጥርን ይሕግዞ። ምስ ምምጻእ ደበናታት ኩለን ኣዕዋፍ ኣብ ትሕቲ ገረብን ኣቁጽልትን ክሕብኣ እንከለዋ፡ ንስሪ ግን ብዘይ ጸገም ህይወቱ ይመርሕ። እዚ ማለት፡- ካብዚ ዘለኻዮ/ኺ ንላዕሊ ክገብሩኻ/ኺ፡ ከሐይሉኻ/ኺ ምኻኖም ፈሊጥካ/ኪ ንጸገማትካ ግጠሞም/ግጠምዮም፡፡ 5. ኣንስተይቲ ንስሪ ተባዕታይ ንስሪ እንተረኺባ፡ ክጻመዱ እንተደልያ፡፡ መጀመርያ ናብ መሬት ተኖቒታ ሓደ ግዳይ ተልዕል፡፡ ከም እንደገና ንላዕሊ ትወጽእ እሞ ነቲ ግዳይ ናብ መሬት ትፍንዎ። እቲ ተባዕታይ ንስሪ ደድሕሪ እቲ ግዳይ ስዒቡ ይሕዞ፡ ናብታ ኣንስተይቲ ንስሪ ከኣ ይመልሶ። ንሳ ብወገና ካብቲ ናይ መጀመርያ ዝለዓለ ርሕቀት ኮይና እንደገና ነቲ ግዳይ ትፍንዎ፡፡ እዚ ነገር እዚ ክሳብ እታ ኣንስተይቲ ንስሪ ነቲ ተባዕታይ ንስሪ ናይ ምልዓል ኣገባብ ምኽኣሉ ርግጸኛ ትኸውን፡ ርሕቀት እንዳወሰኸ ን4 ሰዓታት ይቕጽል፡፡ እዚ ነገር ከምዝኸኣሎ ርግጸኛ ምስ ኮነት ጥራይ እያ ከኣ ንክራኸባ እተፍቅደሉ፡፡ እዚ ማለት፡- ኣብ ውልቃዊ ህይወትና ኮነ ስራሕ፡ ነቲ ንዝምድና እንመርጾ ሰብ ብብዙሕ ነገራት ምስ መርመርናዮ ክኸውን ኣለዎ። 6. ንስሪ ንክንቲቱ ብምእላይን ኣብ መጫጭሒ ቦትኡ ዘሎ ፎኪስ ሳዕሪ ብምብታን እዩ። እዚ ነገር እዚ ነቲ ዘለዎ ቦታ ምቹእነት ኣይፈጥረሉን እዩ፡፡ ስለዝኾነ ካብ ቦትኡ ቀልጢፉ ወጺኡ ህይወቱ ክመርሕ ይደሊ፡፡ እዚ ማለት፡- ምቹእ ዞባ ናትካ ግደፍ! ኣብኡ ምዕባለ የለን፡ ከተዓሻሽወካን ግዜኻ ክበልዓልካን እዩ 7. ንስሪ እንተኣሪጉ ኣኽናፉ ድኹም ይኸውን። ብናህርን ንላዕልን ክወስድዎ ኣይክእሉን እዮም። እዚ ነገር እዚ ክሳብ ናብ ሞት ዘብጽሖ እዩ። ስለዝኾነ ኣብ ሕቡእ ቦታ፡ ቀረብ ብዙሕ ዘይብሉ ኮይኑ ነቲ ድኹም ክንቲቱ ካብ ሰውነቱ ይምሕዎ፡ ንኣፉን ንኣጽፋሩ ምስቲ ኣካውሕ ብምፍሓር ይስሕሎ፡፡ ኣብዚ ሕቡእ ቦታ ክሳብ ሓድሽ ክንቲትን ኣፍን ኣጽፋርን ዘብቁል ይጸንሕ፡፡ ብድሕሪ'ዚ ካብቲ ዝነበሮ ንላዕሊ ሓይሉን ተሓዲሱን ይወጽእ፡፡ እዚ ማለት፡- ሕማቕ ኣመላትና ከነወግድ ኣለና። ክብደቱ ብዘየገድስ ከዳኽሙና ዝኽእሉ ነገራት፡ ጥቕሚ ክህቡና ዘይክእሉ ነገራት ካብ ህይወትና ንእለዮም። YES , NEVER GIVE UP! BE AN EAGLE! NEVER EVER ✍︎︎ #Bushra_yasin 🦅ኩሉ ግዜ ግዝያዊት እያ ንዓይ ዛጽሕፍቲ 🦅

الفئة

الكلمات

عرض المزيد

تعليقات - 3